top of page

ናይ ወለንታ ሓላፍነት (ቦታ)

ክትሕግዙና ትደልዩ ዶ፥ ን ዝኾነ ትገብሩልና ሓገዝ ሕጉሳት ኢና። ሓገዝ ብ ካልእ መንገዲ ከም ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ክትሕጉዙና ምስ እትደልዩ ፡ ብ ክብረትኩም ምሳና ርክብ ግበሩ። ን ዝኾነ ሓድሽ ሓገዝ ሕጉሳት ኢና።

 

ጠበቓታት (ስዊዝ ዘይኰኑ/ ተመሃሮ ሕጊ እውን)

ንዝመጸና ሓድሽ ናይ ሕጊ በዓል ሞያ ሕጉሳት ኢና። መዓስን ፡ ከመይን ከሙኡውን ብዝሒ ሰዓታት ስራሕ ከም ናትኩም ምርጫ እዩ። ዝኾነ ስራሕ ምስ ኣስዩልኤክስ ብ ነጻን ብ ወለንታን እዩ። ንሕና ውን ሕጊ ናይ ስዊዘርላንድ ነፍልጠኩምን ንዝኾነ ሕቶታትኩም ን ጉዳይኩም ዝምርኮስን ንምልሰልኩም። ኣፍልጦ ሕጊ ናይ ስዊዘርላንድ የብልናን ኢልኩም ኣይትማትኡ ግን ንዝወሃብ ትምህርቲ ድልዋትን ሕጉሳትን ክትኮኑ ኣገዳሲ እዩ። ን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ከቢድ ጸገም ዘለዉ ክትሕግዙን ትርጉምን ዕጋበትን ዘለዎ ስራሕ ክትሰርሑን ዕድል ክትረኽቡ ኢኹም። ን ትሰዱልና መልእኽቲ ክንቅበል ድልዋትን ሕጉሳትን ኢና። ኣብዚ ሊንክ ብምእታው ርኸቡና Application Tool!

ተርጐምቲ

ትግርኛ ፡ ፋርሲ ፡ ዓረብ ፡ ኢንግልሽ ወይ ውን ጀርመንን ካልእ ቛንቛ ትዛረቡ ዶ፥ ምሳና ብ ወለንታ ክትሰርሑ ትደሉዩ ዶ፥ መዓስን ፡ ከመይን ከሙኡውን ብዝሒ ሰዓታት ስራሕ ከም ናትኩም ምርጫ እዩ። ሓታቲ ዑቅባ ይኹን ፡ ስደተኛ ካልእን ምስ እኹል ኣፍልጦ ቛንቛ ኢንግልሽን ጀርመንን ዝለዎም ሰባት ምሳና ንክሰርሑ ን ዕድም። ኣብዚ ሊንክ ብምእታው ርኸቡና Application Tool.

 

ሕጋዊ ዘይኰነ ደገፍ

ን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝገብርዎ መስርሕ ክትሕግዞም ትደሊ ዶ ፡ እንተኾነ ግን ኣፍልጦ ይሓጽረካ ፥ ን ቓለ-መሕትት ዝኸዱ ሰባት ምስኦም ብ ምኻድ ደገፍ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣገዳሲ ሓበሬታን ትምህርትን ክነቅስመኩም ንኽእል ኢና። ን ዝህልወኩም ሕቶ ይኹን ተገዳስነት ኣብዚ ሊንክ ብምእታው ርኸቡና Application Tool!

ካልኦት ወለንተኛታት / NGOS

ምስ ናይ ወለንታ ማሕበረ-ሰብ ወይ ውን ዘይመንግስታውያን ትካላት ክንትሓጋገዝ ድልዋት ኢና። ትምህርቲ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባን ከምኡውን ኮርሳት ን ቓለ-መሕትት ዝኸዱ ሰባት ምስኦም ብ ምኻድ ደገፍ ክህብ ንዝደሊ ሰብ ንህብ። ን እትህቡና ሓገዝ ኣዚና ነመስግን። ኣብዚ ሊንክ ብምእታው ርኸቡና  Application Tool!

ምስ ዝኾኑ ወለንታውያን ክንሰርሕ ሕጉሳት ኢና ( ኪኢላታት ኮምፕዩተር ሳይኮሎጅን ካልእን) ኣብዚ ሊንክ ብምእታው ርኸቡና Application Tool.

Application Tool

AsyLex Volunteer Application Tool

bottom of page